ብኣሕተምቲ ሓርቦይ ኢንተርፕራይዝ ተሓቲማ ንዕዳጋ ቀሪባ ዘላ ሓዳሽ መጽሓፍ

ምስትምቓር መጽሓፍ

ኣርእስቲ መጽሓፍ: ቃልሲ ኣብ ከርሲ ጸላኢ ውዕሎታት ዉፉያት ሃገራውያን
ዓይነት ስነ-ጹሑፍ: ኣብ ዝኽሪ ፍጻሜታት ዝተሞርከሰ ሓቀኛ ባዕላዊ ተሞኩሮ
ጸሓፊ: ረዘነ ጸጋይ ሰሎሙን
ኣርትዖት፡ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን: ሙሉጌታ ግርማጽዮንን
ኣሕተምቲ ሓርቦይ አንተርፕራይዝ: www.bookshop.harboyenterprise.com
ርእይቶ ወይ ነቐፌታ ንጸሓፊ: rezenezeg@hotmail.com
ብዝሒ ገጻት: 148
ዓመተ ሕትመት: 2022
መጽሓፍ ትርከበሉ ቦታ: www.bookshop.harboyenterprise.com
ኣስተማቓሪ:

ዳዊት ገብረሚካኤል ሃብተ

ሕቡራት ነገስታት ኣሜሪካ: ምምሕዳር ሜሪላንድ: መጋቢት 2022

 

መጽሓፍ “ቃልሲ ኣብ ከርሲ ጸላኢ ውዕሎታት ዉፉያት ሃገራውያን” ከም ኣርእስታ ብዛዕባ ቅያታትን ውዕሎታትን ውፉያት ሃገራውያን ኣብ ከርሲ ጸላኢ እያ ተዘንቱ::  ከም መእተዊ: ጸሓፊ ንሕሉፍ ታሪኽ ሃገረ ኤርትራ ”ካብ ዉሉድ ወለዶ ብመረብ ምላሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዶባት ይንበር ድኣ እምበር፡ ዶባት ኤርትራ ኣብ ዓመታት 1900፡1902፡1906ን 1908 ተሓንጺጹ፡ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን ብወግዒ ዶባተን ዝተሓንጸጸለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኮነት” ብምባል ብግሉጽን ቁርጡውን ኣገባብ እዩ ዝጅምሮ:: ብምቕጻል: ነቲ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፎ መሰናኽላት ኣርብዓታት: ሓምሳታት: ሱሳታትን ብደም ዝጨቀወ ሰብዓታትን ታሪኻዊያን ቦታትን ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትን ከም መወከሲ እንዳተጠቀመ: ነቲ ሕሉፍ ኩነታት ብልዙብን መሳጥን ኣዘናትዋ ብደቂቕ ዘርዚሩዎም ኣሎ::

ኣብ’ቲ ባዕላዊ ውዕሎታትን ተዘክሮታትን እንተመጺና: ጸሓፊ ካብ’ቲ ከም መንእሰይ ሓፋሽ ውዱብ ኮይኑ ዝቃለሰሉ ዝነበረ መፋርቕ ሰብዓታት እዩ ዝጅምሮ:: ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ”ህዝቢ ኤርትራ ባሕራ’ምበር ሰባ ኣየድልየናን’ዩ” እንዳበለ ብኣግኡ  ዘንቀደ ጸላኢኡ: ደቁ ሰሚሮም ክምክትዎ ብምትስፋው:

“ስምረት ተወሊዳ: ኣበይ ኣብ ዛግር ሜዳ!”

“ስምረት ተወሊዳ ኣበይ ኣብ ወኪ ሜዳ!”

እንዳበለ ናይ ልቡ ክደርፍ ከሎ ጸሓፊ ኣብ’ቲ ከባቢ ብጽዑቕ ይንቀሳቕስ ስለ ዝነበረ: ነቲ ኩነታት ከም’ቲ ኣብ’ቲ እዋን ዝነበሮ ዕድመ ዘፍቅደሉ ተዘክሮታቱን ባዕላዊ ትዕዝብቱን ብግሉጽ ኣስፊሩዎ’ሎ:: ገለ ካብ’ቲ ናይ ባዕላዊ ተሞክሮታት ንኣብነት ንምጥቃስ “ኲናት ሓድሕድ ምስ ሃድአ ተጋደልቲ ህ.ሓ ንካርነሽም ኣይሓደግዎን። ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ኣብ ዲጋ ዓዲ- ሸኻ ዓስኪሩ ንዝነበረ ሻምበል ኣብርሃ ቀላቲ – መራሒ ኮማንድስ፡ ክሳብ ጽባሕ ኢድካ ናባና ክትህብ ንምሕጸነካ! ትብል መልእኽቲ ለኣኹሉ። እቲ ሻምበል ኣብ ክንዲ ኢዱ ናብ ህ.ሓ ዝህብ፡ ብለይቲ ሰራዊቱ ሒዙ ናብ ዓዲ ተከሌዛን ብምኻድ ምስ ብጾቱ ተጸምበረ። ንግሆ ኣነ ዘለኹዎም ተጋደልቲ ናብ ዕርዲ ጸላኢ ዓዲ ሸኻ ምስ ከድና፡ ብዘይካ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ንብረት ጸላኢ ካልእ ኣይረኸብናን” ይብል ጸሓፊ።

ጸሓፊ ኣብ ተዘክሮታትን ፍጻሜታትን ዝተሞርከሰ ቅዲ ኣዘናትዋ ብምጥቃሙን ብዝሒ ናይ ኣብ ሞንጎ ሓያሎ ብጾቱን ዘሎ ዝርርብን ኢሂን-ሚሂንን ን“ቃልሲ ኣብ ከርሲ ጸላኢ ውዕሎታት ዉፉያት ሃገራውያን” ብቐሊሉ ተነባቢትን ዝያዳ ምቅርትን ይገብራ።

ከም’ቲ እቲ ህቡብ ኤርትራዊ ገጣሚን ደራሲን መለስ ንጉሰ ”ተጋደልቲ ገድሎም ገድሊ ትም ሕትም ከይከውን: መብራህቲ ገንኢ ኮይኖም ከይተርፉ: ኣብ ውሽጦም በሪቖም ኣብ ውሽጦም ከይዓርቡ:” ነታ ”ኔው ነጀው” ኣርእስታ መጽሓፉ ዝደረሰ: ረዘነ ጸጋይ ሰሎሙን ከኣ: ብጾቱ ኣብ መላእ ዓለም ከም ኮኾብ ጽባሕ ክደምቁ “ቃልሲ ኣብ ከርሲ ጸላኢ ውዕሎታት ዉፉያት ሃገራውያን” ጽሒፉሎም ኣሎ:: ጸሓፊ: ኣሽማት ናይ’ቶም 64 ብጾቱ ምስ ሞዮኦምን ኣድራሻኦምን ብምዝርዛር: “እዞም ናይ ቀረባ መዋስእተይ ነታ እንኮ ህይወቶም በጃ ወፊዮም ዝዋስኡ ዝነበሩ ብጾት ብዙሓት እኳ እንተነበሩ፡ ካብ`ቶም ዝዝክሮም 64 ኣባላት፣ 23 (36%) ብጾት ዝኾኑ ብህይወት የለውን።  እቶም 24 (37%) ብጾት ግን ብህይወት ኣለዉ። 17 (27%) ካብ`ዞም ብጾት ከኣ ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽቡ እዮም። ጠቅላላ ድምር ብሚእታዊት ክረአ እንኮሎ ድማ 72 % ደቂ- ተባዕትዮ፡ 28 % ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ እየን። እዚኦም ካብ ዝተፋላለየ ደርብታትን እምነትን ኮይኖም ሓደ ዕላማኦም ድማ ንዝተዋህቦም ተልእኾ ምፍጻምን ንጸላኢ ምርዓድን በጃ ህዝብን ሃገርን ምሕላፍ ጥራይ’ዩ ነይሩ” እንዳበለ ናይ ቃል ምስክርነት ይህበና:: ታሪኽ መሻረዊ እንድዩ: ነቶም ታሪኽ ዝጸሓፉ ወይ ከኣ ብዛዕብኦም ዝተጻሕፈሎም ጥራይ እዩ ዝዝክር:: ረዘነ ጸጋይ ሰሎሙን ምስ’ዞም ንእስነቶምን ኩለንትኦምን ንሃገርን ህዝብን ዝበጀዉ ብጾትካ ዘላለኻና ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕኻ::

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ነቶም ንሕልሚ ወለዶታት ክዉን ዝገበሩ ሰማእታት ኤርትራ

ዳዊት ገብረሚካእል ሃብተ

ሕቡራት ነገስታት ኣሜሪካ: ምምሕዳር ሜሪላንድ

መጋቢት 2022

Harboy Enterprise is a publishing house that publishes and distributes books written in eritrean and in the languages spoken and written in and around the Horn of Africa.  Our goal is to distribute the books to the whole world at a good price.

Contact us for further information.

under konstruktion

Media

Contact us

13 + 5 =

Adress

SJÖÄNGSVÄGEN 6
613 37 Oxelösund, Sweden

E-post:                   info@harboyenterprise.com

Kontoret/Office:   015531606 (eller  004615531606)
Mobilen/Mobile:   0739277560 (eller  0046739277560)

Select your currency
EUREuro
Wishlist 0
Continue Shopping